15 ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ዝተፈላለዩ መማረፅታት ይህቡ

5 ሓፈሻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት

ሓፈኻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ዝለዓለ ትምህርቲ ክትወስዱ ንእትደልዩ እዩ፣ ንኣብነት መምህር፣ ነርስ ወይ ጠበቓ ንክትኾኑ'

  • ካብ 5 ሓፈሻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ምረፁ'
  • መብዛሕትኦም ናይ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ፅንዓታት ዝተለመዱ«ምንባብ ዓይነት ትምህርቲታት» ንኣብነት ኖርዌይኛ& ሒሳብ& ማሕበረ ሰባዊ ፅንዓታት& ታሪኽ& ተፈጥሮኣዊ መፅናዕትታትን ናይ ወፃኢ ቋንቋን
  • ብተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ዓይነት ትምህርቲታት ኣለዉኹም& ንኣብነት ሙዚቃ& ዓበይቲ ዝደረጅኦም ስፖርትታት ወይ ፊዚክስ
  • ኣብ ትምህርቲ ቤት ሰለስተ ዓመታት እንድሕር ሓሊፍኩምን ኣጠናቒቕኩምን& ናይ ሓፈሻዊ ዩኒቨርሲቲ መእታዊ ምስክር ወረቐት ተሳኽዑ'
  • ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮሌጅን ዝለዓለ ትምህርቲ ንምምሃር ንዝቐርብ ማመልከቻ ናይ ሓፈሻዊ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት ክህልወኩም ኣለዎ'
Illustrasjon av strukturkart studieforberedende

ብዛዕባ ዘማርፁሎም ናይ ትመህርቲ ፕሮግራማት ኣንብቡ :

10 ናይ ሞያ ትምህርቲ ፕሮግራማት

ናይ ሞያ ትምህርቲ ናይ ተግባር ስራሕቲታት ንኣብነት& ናይ ኤሌክትሪክ በዓል ሞያ& መዳለዊ ምግቢ ወይ ፀገሪ መመላኽዒ ንክትሰርሑ እትደልዩ እዩ'

  • ካብ 10 ናይ ሞያ ትምህርቲታት ምረፁ'
  • ኣብ ብዙሕ ናይ ሞያዊ ትምህርቲ ዓይነት ትምህረቲታት እቲ ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ክልተ ዓመታት ዉሽጢ ኣብ ንግዲ ድርጅት እዉን ኣብ ክልተ ዓመት ዉሽጢ ይወሃብ እዩ።
  • ኣብ ንግዲ ድርጅት ምስልጣን ተለማማዳይነት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሞያዊ ልምድኹም ዉሽጢ ደሞዝ ናይ ምርካ ብዕድል ኣለኩም እዩ።
  • ሞያዊ ትምሀርቲን ስልጠና ኣጠናቂቕኩም ምስ ሓለፍኩም ናይ ሞያ ብቕዓት ተሳኽዑ።
  • ብሞያዊ ብቐዓት ስራሕ ምምራፅ ይኽእሉ እዮም ወይ ተወሳኺ ትምህርቲ ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ሞያዊ ኮሌጅ ምውሳድ ትኽእሉ።
  • ከምኡ ድማ ተወሳኺ ዉጡን ናይ ሓፈሻዊ ዩኒቨርሲቲይ መእተዊ ምስክር ወረቀት ክወስዱ ይግባእ (ኣብ ታሕቲ ረኣዩ)።
Illustrasjon av strukturkart yrkesfaglig

ብዛዕባ ክትመርፅዎ ትኽእሉ ትምህርታዊ ፕሮግራም ኣቀዲምኩም ኣንብቡ:

ናይ ሓፈሻዊ ዩኒቨርሲቲ ሙሉእ ፕሮግራም መእተዊ ምስክር ወረቐት

ናይ ሞያ ትምህርቲ ምስወዳእኹምን ምስሓለፍኩምን ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት ትደልዩ ዶ?

  • ተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ዓመት መሰት ተዋሂብዎም ኣሎ ምእንታይ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት ክወስዱ።
  • ናብ ተወሳኺ ፕሮግራም ን ናይ ሓፈሻዊ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት ኣብ ሞያ ትምህሪቲ ከለኹም ወይ ድሕሪ ሞያዊ ብቕዓት ምስፈጸምኩም ድሕሪ ክልተ ዓመት ምምልካት ትኽእሉ ኢኩም ።
  • ንናይ ሓፈሻዊ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት ዝወሃብ ተወሳኺ ፕሮግራምን ሰባት ጠንኪሮም ክሰርሑን ኣብ ተግባር ዘይወዓለ ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብን እዩ።
  • ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት እቲ ፕሮግራም ብምጥንቃቅን ብምሕላፍን እንተሳኺዕኽሞ ኣብ ኮሌጅ ወይ ኣብ ዩኒቨርሲቲይ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ምምርጽ ዕድል ኣለኩም።
Illustrasjon av strukturkart pabygging

መሰረታዊ ብቕዓት

  • መሰረታዊ ብቕዓት ማለት ንዓኹም ትምህርትኩም ከይትውዱ ንዝተፈላለዩ ጸገማት ዘጓንፍኹም ተወሳኺ መማረፂ ማለት እዩ'
  • ናይ ብቕዓት ምስክር ወረቐት ብሰነድ ኣቢሉ ዝወዳእኽምዎም ኣካላት ናይቲ ትምህርቲ ክበጽሐኩም እዩ'
  • ሙሉእ ናይ ሞያ ብቕዓት ወይ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት ንምስኸዕ ዓላማኹም ናይ ምቕያርን ሙሉእ እቲ ትምህርቲ ናይ ምጥንቓቕን ዕድል ኣለኩም'