ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ መእተዊ
.ብሓፈሻዊ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሰርተፊኬትን ናብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ኮነ ኮሌጅ ምምልካት ይካኣል እዩ። ነገር ግን ሓደሓደ ትምህርትታት ፍሉይ ናይ ምቅባል ጠለባት የድልዮ እዩ።
- መእተዊ ፈተና: ናይ ወተደራዊ ሓይልን ናይ ነርወይ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኣካለዊ መመዘንታት ኣለውዎም። ናይ ስፖርትን ኣካለዊ ምንቅስቃስን ትምህርቲ እንድሕር ወሲድኩም ናይ ኣካለዊ ምንቅስቃስ ፈተና ንምውሳድ ጽቡቕ መሰረት ይህልወኩም።
- ናይ ሳይንስ መምዘኒታት : ሓደ ሓደ ትምህርትታት ዝተወሰነ ናይ ሳይንስ ፍልጠት ክትሕዝ ይሓቱኻ እዮም። ንኣብነት ከም ኢንጅነሪንግ፣ ሳይንስን ናይ ሕክምና ትምህርትታትን። ኣብዚ ዝስዕብ ንዩኒቨርሲቲን ኮሌጅን ናይ መእተዊ መመዘኒታት ሓበሬታ ክረኽቡ እዮም samordnaopptak.no። ኣብ ሓደሓደ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ኩሎም ዘድልይዎም ሳይንሳት ንምስታፍ ግዜ ምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ሓፈሻዊ ትምህርቲታት ምስ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስን ሒሳብን ፍለይ ትምህርቲ Vg2 ከምኡውን Vg3 እንተወሲዶም፣ እቲ ዘድልዮም ሳይንስ ናይ ምውሳድ ዓብዪ ዕድል ይህልዎም።