5 ሓፈሻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት
ሓፈኻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ዝለዓለ ትምህርቲ ክትወስዱ ንእትደልዩ እዩ፣ ንኣብነት መምህር፣ ነርስ ወይ ጠበቓ ንክትኾኑ'
- ካብ 5 ሓፈሻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ምረፁ'
- መብዛሕትኦም ናይ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ፅንዓታት ዝተለመዱ«ምንባብ ዓይነት ትምህርቲታት» ንኣብነት ኖርዌይኛ& ሒሳብ& ማሕበረ ሰባዊ ፅንዓታት& ታሪኽ& ተፈጥሮኣዊ መፅናዕትታትን ናይ ወፃኢ ቋንቋን
- ብተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ዓይነት ትምህርቲታት ኣለዉኹም& ንኣብነት ሙዚቃ& ዓበይቲ ዝደረጅኦም ስፖርትታት ወይ ፊዚክስ
- ኣብ ትምህርቲ ቤት ሰለስተ ዓመታት እንድሕር ሓሊፍኩምን ኣጠናቒቕኩምን& ናይ ሓፈሻዊ ዩኒቨርሲቲ መእታዊ ምስክር ወረቐት ተሳኽዑ'
- ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮሌጅን ዝለዓለ ትምህርቲ ንምምሃር ንዝቐርብ ማመልከቻ ናይ ሓፈሻዊ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት ክህልወኩም ኣለዎ'

ብዛዕባ ዘማርፁሎም ናይ ትመህርቲ ፕሮግራማት ኣንብቡ :
10 ናይ ሞያ ትምህርቲ ፕሮግራማት
ናይ ሞያ ትምህርቲ ናይ ተግባር ስራሕቲታት ንኣብነት& ናይ ኤሌክትሪክ በዓል ሞያ& መዳለዊ ምግቢ ወይ ፀገሪ መመላኽዒ ንክትሰርሑ እትደልዩ እዩ'
- ካብ 10 ናይ ሞያ ትምህርቲታት ምረፁ'
- ኣብ ብዙሕ ናይ ሞያዊ ትምህርቲ ዓይነት ትምህረቲታት እቲ ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ክልተ ዓመታት ዉሽጢ ኣብ ንግዲ ድርጅት እዉን ኣብ ክልተ ዓመት ዉሽጢ ይወሃብ እዩ።
- ኣብ ንግዲ ድርጅት ምስልጣን ተለማማዳይነት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሞያዊ ልምድኹም ዉሽጢ ደሞዝ ናይ ምርካ ብዕድል ኣለኩም እዩ።
- ሞያዊ ትምሀርቲን ስልጠና ኣጠናቂቕኩም ምስ ሓለፍኩም ናይ ሞያ ብቕዓት ተሳኽዑ።
- ብሞያዊ ብቐዓት ስራሕ ምምራፅ ይኽእሉ እዮም ወይ ተወሳኺ ትምህርቲ ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ሞያዊ ኮሌጅ ምውሳድ ትኽእሉ።
- ከምኡ ድማ ተወሳኺ ዉጡን ናይ ሓፈሻዊ ዩኒቨርሲቲይ መእተዊ ምስክር ወረቀት ክወስዱ ይግባእ (ኣብ ታሕቲ ረኣዩ)።

ብዛዕባ ክትመርፅዎ ትኽእሉ ትምህርታዊ ፕሮግራም ኣቀዲምኩም ኣንብቡ:
- ህንጻን ምህናጽን
- ኤሌክትሪክን ኢሌክትሮኒክስን
- ስነጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ፣ ናይ ፍዮሪ፣ ናይ ውሽጢ ገዛን መሸጥእ ዲዛይን
- ኢደጥበብ፣ ዲዛይን ከምኡድማ ናይ ፍርያት ምዕባለ
- ክንክንጥዕና፣ ናይ ቁልዕነትን መናእሰይን ዕብየት
- ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓን ፕሮዳክሽን
- ሕርሻ፣ ምጽማድ ዓሳን ኣተሓሕዛ ጫካን (ምስ ተወሳኺ ጠቅላላ መጽናዕቲ Vg3)
- ቤት ምግብን ናይ ምግቢ መስርሕን
- መሸጣ፣ ኣገልግሎትን ቱሪዝምን
- ቴክኖሎጅን ናይ ኢንዱስትሪ ፍርያትን
ናይ ሓፈሻዊ ዩኒቨርሲቲ ሙሉእ ፕሮግራም መእተዊ ምስክር ወረቐት
ናይ ሞያ ትምህርቲ ምስወዳእኹምን ምስሓለፍኩምን ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት ትደልዩ ዶ?
- ተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ዓመት መሰት ተዋሂብዎም ኣሎ ምእንታይ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት ክወስዱ።
- ናብ ተወሳኺ ፕሮግራም ን ናይ ሓፈሻዊ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት ኣብ ሞያ ትምህሪቲ ከለኹም ወይ ድሕሪ ሞያዊ ብቕዓት ምስፈጸምኩም ድሕሪ ክልተ ዓመት ምምልካት ትኽእሉ ኢኩም ።
- ንናይ ሓፈሻዊ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት ዝወሃብ ተወሳኺ ፕሮግራምን ሰባት ጠንኪሮም ክሰርሑን ኣብ ተግባር ዘይወዓለ ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብን እዩ።
- ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት እቲ ፕሮግራም ብምጥንቃቅን ብምሕላፍን እንተሳኺዕኽሞ ኣብ ኮሌጅ ወይ ኣብ ዩኒቨርሲቲይ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ምምርጽ ዕድል ኣለኩም።

መሰረታዊ ብቕዓት
- መሰረታዊ ብቕዓት ማለት ንዓኹም ትምህርትኩም ከይትውዱ ንዝተፈላለዩ ጸገማት ዘጓንፍኹም ተወሳኺ መማረፂ ማለት እዩ'
- ናይ ብቕዓት ምስክር ወረቐት ብሰነድ ኣቢሉ ዝወዳእኽምዎም ኣካላት ናይቲ ትምህርቲ ክበጽሐኩም እዩ'
- ሙሉእ ናይ ሞያ ብቕዓት ወይ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ምስክር ወረቐት ንምስኸዕ ዓላማኹም ናይ ምቕያርን ሙሉእ እቲ ትምህርቲ ናይ ምጥንቓቕን ዕድል ኣለኩም'